Filtra per genere

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5002 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)
0:00 / 0:00
1x
  • 5002 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)

    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡

    Mon, 22 Apr 2024 - 13min
  • 5001 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)

    ንሎሚ ሰኑይ 22 ሚይዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ። "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡

    Mon, 22 Apr 2024 - 49min
  • 5000 - ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንልዕሊ 520 ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ክታበትን ምዕዳል ቫይታሚን ኤ’ን ክካየድ ምዃኑ፡ ገሊጹ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡ "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።

    Mon, 22 Apr 2024 - 07min
  • 4999 - ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማራቶን ለንደን ካልኣይ ወጺኡ፣ ኣብ ኢጣልያን ቱርኪን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይሳተፉ፣

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/04/2024) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ፕላቲነም ዝስራዕ ማራቶን ለንደን ተኻይዱ ቀነኒሳ በቀለ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ኣብ ውድድራት ዳያመንድ ሊግ ዣመን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ዙር ኣልፕስ ናይ ኢጣልያን ፕረዚንታዊ ዙር ቱርኪን ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፣ * ብዘይካ ኣስቶን ቪላ ኩለን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ማለት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ሊቨርፑልን ወስትሃምን ከኣ ካብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ድሕሪ ምግላፈን ፈላሞት ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ኤፍኤ ካፕን ተኻይዶም፣

    Mon, 22 Apr 2024 - 09min
  • 4998 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)

    ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።

    Thu, 18 Apr 2024 - 55min
Mostra altri episodi