Podcasts by Category

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5007 - ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።
0:00 / 0:00
1x
  • 5007 - ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።

    ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ

    Thu, 25 Apr 2024 - 09min
  • 5006 - #60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)

    Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።

    Wed, 24 Apr 2024 - 16min
  • 5005 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)

    ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ

    Wed, 24 Apr 2024 - 04min
  • 5004 - ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ህዝብታት ኣቦርጅንን ደሴታት ቶረስን ፡ ምስ መሬቶም ዓብዪ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ምስ መንነቶምን ምስ ዝምዒት ናተይነትን ምስ ኣገባብ ኣነባብራ ህይወቶምን ዝተሓሓዝ እዩ ። ነቲ መሰረት ህላወኦምን ሓላው ዛንታኦምን ዝዀነ መበቆል ዓዶም ድማ የመልክት ።

    Wed, 24 Apr 2024 - 09min
  • 5003 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2024)

    ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ብ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X ) ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ምስልታት ቪድዮ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኣልዮ ተሓቲቱ። መስርሕ ምጥራዝ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብዝመጽእ ወርሓት ሳመር ከምዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ገሊጹ። ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝተረኸበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ውድድር ኣትሌቲክስ ተኣጊዳ።

    Tue, 23 Apr 2024 - 05min
Show More Episodes