Filtrar por género

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5023 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)
0:00 / 0:00
1x
  • 5023 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)

    ንሎሚ ሓሙስ 02 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብምኽንያት እዚ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸምዎ ዘለዉ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ብዛዕባ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ዝብል እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

    Thu, 02 May 2024 - 57min
  • 5022 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)

    ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

    Thu, 02 May 2024 - 14min
  • 5021 - ጉዳይ ደ/ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ም/ትግራይ ድማ ክሳብ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

    ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ተቓዊማ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ካዝናኡ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንጉሓል ዝተገበረ ፈተነ ከም ዘፍሸሎ ኣፍሊጡ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡

    Thu, 02 May 2024 - 06min
  • 5020 - መዓልታት ሕማማትን ተግባራትን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስ መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ።

    መጋቢ ሓዲስ ብሩክ ተስፋይ ኣብ ሜልበርን ዝርከብ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተክርስቲያን ሓላፊ ስብከተ ወንጌል እዮም። ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ሰሙን ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጸሎትን ስግደትን መዓልታት ዝምልከት ትርጉምን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸሙ ስርዓታትን ገሊጾም ኣለዉ።

    Wed, 01 May 2024 - 24min
  • 5019 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2024)

    ንሎሚ 1 ግንቦት 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እስራኤል ንራፋ ከይትወርራ ኣጠንቂቑ። ነቶም ብምኽንያት ስድራቤታዊ ዓመጽ ካብ ገዛኦም ዝወጹ ንምሕጋዝ፡ ፈደራል መንግስቲ ናይ ብዓመጽ ዝወጹ ፕሮግራም ከቕውም እዩ። ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 170 ሰባት ሞይቶም።

    Wed, 01 May 2024 - 04min
Mostrar más episodios