Filtra per genere
- 6541 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026)Thu, 17 Sep 2026 - 52min
- 6540 - “ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ’ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ"
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 39min - 6539 - ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። (ዜና 17 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ጽላት ንግዲ ኣብ መደብ ፖሊሲ ስደት ኣውስትራልያ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስግኣቱ ገሊጹ... ** ሓንቲ እንግሊዛዊት ቁሸት ብሰንኪ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትግንጸል ረፈረንደም ኣካዪዳ... ** ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። ** ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ንዓመተ ስፖርት 2027 F1 ኣብ መልበርን ኣይክኽፈትን ኢዩ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 10min - 6538 - "ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ።" ኤምባሲ ኣመሪካ (ጸብጻብ)
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካዶ ዘተ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ብካልእ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምቕጻል ደገፍ ከም ዝገብር ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 09min - 6537 - ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ናይዶል ንውዮን ነቲ "ናይ ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን" ዝበለቶ ስዒቡ ንዝቐርብ ዘሎ ዝለፋ መልሲ ሂባ።
ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ። እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 07min - 6536 - #119 Talking about hay fever (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS #119 Talking about hay fever (Med)
Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. - Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever.
Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.
- Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.Wed, 16 Sep 2026 - 10min - 6535 - ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 መስከረም 2026)
** ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ** መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋታት መጠኑ ከቢድ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣረጋጊጹ። ... ** ናይሮቢ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ከተማ ንሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ከተአንግድ ተመሪጻ።
#sbsaudiopodcastWed, 16 Sep 2026 - 06min - 6534 - What are Indigenous Protected Areas in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ሕዙኣት ቦታታት ደቀ'ባት ዝበሃሉ እንታይ'ዮም፧
National parks, nature reserves, marine sanctuaries and Indigenous Protected Areas protect different environments and operate under different rules. What makes an Indigenous Protected Area different, and how can you find out whether you are welcome to visit? - ሃገራዊ ፓርክታት፡ ዕቑር ተፈጥሮ፡ ሕዙእ ናይ ባሕር ክፋልን ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይሕዝኡን ብዝተፈላለዩ ሕግታት ይሰርሑን። ናይ ሓደ ሕዙእ ከባቢ ደቀባት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ክትበጽሑዎም ትኽእሉ ምዃኖምን ብኸመይን ክትፈልጥ ትኽእል?
Tue, 15 Sep 2026 - 10min - 6533 - ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋታት ነዳዲ ከንህር'ዩ፡ (ሕጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 15 መስከረም 2026)
** ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረብ ዝወስድ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ቀጻሊ ጽልዋ ክህልዎ ምኹኑ ተፈሊጡ።... ** ሰልፊ ዋን ኔሽን ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ን ኣውስትራሊያ ቢልዮናት ዶላራት ቁጠባዊ ክሳራ ከውርደላ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ** ኤ-ኣይ ኣዝዩ ሓያልን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋምን ቅድሚ ምዃኑ፡ ወዲ ሰብ መከላኸሊታት ንምትካል ውሱን ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ ።
#sbsaudiopodcastTue, 15 Sep 2026 - 05min - 6532 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026)Mon, 14 Sep 2026 - 53min
- 6531 - ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ትካላት ንግዲ ሶማልያ ኣማራጺ መስመራት መራኽብ ይደልዩ፡ (ዕለታዊ ዜና 14 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ። ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም። ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 13min - 6530 - 'ንብምሉኡ ኢንተርነት ክቆጻጸሮ ይኽእል’ዩ፣' ላዕለዎት መራሕቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ዓመት ክለዓል ይኽእል ዝብልዎ ስግኣት
ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 07min - 6529 - ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሰንዓፈ፡ (ጸብጻብ)
ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ። ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ ። ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ። ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 07min - 6528 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)Thu, 10 Sep 2026 - 54min
- 6527 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)
ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ። ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ። ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተዓዊቱ ፣
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 09min - 6526 - "ንእሱራት ክንጣበቕ ከለና ዓቢ ዕንቅፋት ዘጋጥመና ካብ ስድራ ቤት እሱራት'ዩ።" ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ እታ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ "መስትያት" ብእንግሊዝ ድማ "The Miror" ዝመስረተ እዩ። ናብ ስደት ምስ ኣምረሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ንማሕበረሰብ ዓለም እናጠርዐ ክጣበቕ ዝጸንሐ እዩ። ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 45min - 6525 - ሂዩማን ራይትስ ዎች: ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ። ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ።
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 10min - 6524 - ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት)
** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ... ** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ... ** ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ።
#sbsaudiopodcastWed, 09 Sep 2026 - 03min - 6523 - Travelling safely in rural and remote Australia - ዉሑስ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ቦታታትን ኣውስትራሊያ።
Australia is a vast and diverse country to explore, but driving in rural and remote areas can involve conditions you may not encounter in cities. Knowing what to expect and how to prepare can help you travel more safely and confidently. - ኣውስትራሊያ ዝሰፍሐን ብዙሕነት ዘለዎን ክትፍለጥ ዘለዋ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ኣብ ገጠርን ርሑቕ ከባቢታት ምዝዋር ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይተጓነፈካ ኩነታት ከጠቓልል ይኽእል ። እንታይ ከም እትጽበን ብኸመይ ከም እትዳሎን ምፍላጥ ፡ ብደሓን ብምትእምማን ንኽትጐዓዝ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ።
Wed, 09 Sep 2026 - 09min - 6522 - ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ A-F-D ኣብ ሓደ ግዝኣት ናይ ጀርመን ተመሪጹ።
ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቅዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ ምብራቓዊ ሃገረ ጀርመን እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ እኳ እንተ ተቐልቀለ ፡ ብገዛእ ርእሱ መንግስቲ ከቕውም ግና ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣከኣለን።
#sbsaudiopodcastTue, 08 Sep 2026 - 07min - 6521 - ኣብ ኦስትርያ ቆልዑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሒጃብ (መሸፈኒ ጸጒሪ) ከይለብሳ ተኸልኪሉ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (8 መስከረም 26)
*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉሪ (ሕጃብ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይለብሳ ምኽልካሉ ብሕጊ ከምዝምጉቱ ኦስትራውያን ጉጅለታት ምስልምና ኣጠንቂቖም ።... *** ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ጽድያ ጀሚርሉ ኣብዘሎ ፣ ምስ ምእታው ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ወቕቲ ተመን ዝጅምረሉ እዩ ።
Tue, 08 Sep 2026 - 05min - 6520 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)Mon, 07 Sep 2026 - 48min
- 6519 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓደ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብፋስ ኣጥቂዑ ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውሪድሎም ዝሃደመ ይድለ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝብል ሓሳብ ዳግም ብምግላጽ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ገና ዘይተወድአ ዕማም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ ። ኢጣልያዊ ኪሚ ኣንቶኔሊ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሞተር ፎርሙላ ዋን ናይ ኢታሊ ግራንድ ፕሪክስ ኣብ ሃገሩ ተዓዊቱ።
Mon, 07 Sep 2026 - 08min - 6518 - ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉMon, 07 Sep 2026 - 05min
- 6517 - መርገጺ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን። (ጸብጻብ)
መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ። ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።
Mon, 07 Sep 2026 - 07min - 6516 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 መስከረም 2026)Thu, 03 Sep 2026 - 50min
- 6515 - ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ መልበርን ዝጠፍአ ረዳኢ ብርሃነ- ኣበይ ኮን ይህሉ፧
6 ነሓሰ 2007 ኣኣ፡ ኣብ መልበርን ከባቢ ካርልተን ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ መንእሰይ ረዳኢ ሃይሉ ብርሃነ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 19 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ረዳኢ፡ ኣብ ዝርዝር ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ዝተሓተመ ዛንታ ናይ ዝተወሰኑ ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውያን ዘዘንቱ መፅሓፍ ‘ሎስት’ ታሪኹ ተገሊፁ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ሳህለ፡ ንሓፍቲ ረዳኢ ዝኾነት እሌኒ ሃይሉ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ክትከታተሉ ንዕድም።
Thu, 03 Sep 2026 - 14min - 6514 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ። ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።
Thu, 03 Sep 2026 - 10min - 6513 - "ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ እምሕጸን።"ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ። (ጸብጻብ)
ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ። ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን። ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።
Thu, 03 Sep 2026 - 08min - 6512 - Prostate cancer in Australia: Testing, treatment and support - መንሽሮ ፕሮስተይት (Prostate cancer) ኣብ ኣውስትራልያ: ምርመራ፣ ሕክምናን ደገፍን
About one in five Australian men will be diagnosed with prostate cancer in their lifetime. Understanding the prostate, your risk and the options for testing can help with early detection and treatment. In this episode of Australia Explained, learn about prostate cancer, PSA testing, treatment and support. - ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ መላእ ግዜ ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስተይት/ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም’ዩ። ኣብ ናይ ዕሸል/ፈለማ እዋናቱ፣ ፕሮስተይት ካንሰር ሳሕቲ’ዩ ምልክታት ዘርኢ። ነዚ’ዩ ድማ መጠን ዕድላት ዘጋጥመኩም፣ ምርመራ መዓስ’ዩ ግቡእ ዝኸውንን ብዛዕባ ኣማራጺታትኩም ምስ ዶክተርኩም ወይ ሓኪምኩም ምዝርራብን ክትፈልጥዎ ወይ ክትርድእዎ ዘድሊ። ኣብ’ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ’ምበኣር ብዛዕባ ኣለሊኻ ምፍላጥን ኣተኣላልያን ፕሮስተይት ካንሰር ክንመሃር ኢና።
Wed, 02 Sep 2026 - 11min - 6511 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (2 መስከረ 2026)
ንሎሚ ሰሉስ 2 መስመረም 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀቅድሚ`ቲ ቀታሊ ዝኾነ መደራግሕ በረድን ብርቱዕ ውሕጅን ኔፓልን ቲቤትን ዝነበሩ መጠንቀቕታታት ሸለል ምብሃሎም ሕቶታት ቀሪቦም፣ 5 ኣውስትራልያን ድማ ደሓን ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፡ * ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላይፕዚግ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንዝተፈጸመ ፈተነ መጥቃዕቲ ሩስያ ፈጺማቶ ትብል፣ * ዩናይትድ ስቴትስ ሕነ ምፍዳይ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን ፈጺማ፣
Wed, 02 Sep 2026 - 06min - 6510 - "ታሪኽ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ታሪኽ ናይ ኢሳያስ ኣፎርቂን ወልደኣብ ወልደምርያምን’ዩ"
ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩን ብዕለት 31 ኣብ መልበርን ዝዓረፈን ተጋዳላይ ማሕሙድ ጃብር ዮንስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
Tue, 01 Sep 2026 - 16min - 6509 - ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ይወጽእ፡ ህቡብ ሙዚቀኛ ሊዮነል ሪቺ ኣብ ሆስፒታል ይዕቆብ: ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ
**ስድራ ቤት ናይ ሓደ ወዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰብኣይ ፡ በቲ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ህይወቱ ዝሰኣነ ናይ መጀመርታ ኣውስትራልያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ። ... ** ሬሳ ናይ ሓደ ህጻን ኣብ መጉሓፊ በርሚል ምርካቡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን እዩ ክብል ፖሊስ NSW ገሊጹ ። ** ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ።
Tue, 01 Sep 2026 - 05min - 6508 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026)Mon, 31 Aug 2026 - 50min
- 6507 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብ መልበርን ኣብ እተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኽትኸይድ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዉርደት ገጢምዋ ። ሓይልታት ኣመሪካ ወንጨፍቲ ሮኬታት ሚሳይል ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ወቒዖም ፣ እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ። ኣብ ሲድኒ ኣብዝተገብረ ማራቶን ጉያ እግሪ ኢትዮጵያዊ አዲሱ ጎበና ብክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቒቕን 42 ካልኢትን [2: 04: 42] ብምእታው ክብረ ወሰን ሰይሩ ።
Mon, 31 Aug 2026 - 11min - 6506 - 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። (ጸብጻብ)
ተሓጋጋዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፤ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሞቓዲሾ ተሰናቢቱ። 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ። ኡጋንዳ ኣብ ፍልስጤም ከባቢ ጋዛ ንዝካየድ ኣህጉራዊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 1200 ሰራዊት ከተበርክት ምዃና ተሓቢሩ።
Mon, 31 Aug 2026 - 06min - 6505 - 130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንኣካይዳ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ
130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንስርዓተ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዊሕ ክእመነሎም ዝጸንሑ ትጽቢታት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ብሰላሕታ ደጊሞም ይጸሓፉ’ለዉ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።
Sun, 30 Aug 2026 - 10min - 6504 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ነሃሰ 2026)Thu, 27 Aug 2026 - 51min
- 6503 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን በቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መጻብቦ ሆርሙዝ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ፡ ምስ ዖማን ኣብ ግዝያዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ። ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርከብዎም 500 ሰባት ድማ ጠፊኦም ኣለዉ። ብሪጣንያዊ ማቲው ብርናን ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ቮሉታ ኣ ስጳኛ ንፈለማ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተዓዊቱ።
Thu, 27 Aug 2026 - 11min - 6502 - ህብብቲ ደራፊት 'ካንትሪ ሙዚክ' ዶሊ ፓርተንን ዝገደፈቶ ሓድግን፡
በሃር ድምጻዊት 'ካንትሪ ሙዚክ" ዶሊ ፓርትን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ ። ንሳ ብናይ ነዊሕ ዕድመ ከም ደራሲት ሙዚቃ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገባር ሰናይ: ብምምዕባል ቤተ-መጻሕፍቲ'ውን ተዘኪራ ትነብር እያ። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሞያ ፡ ካብ 55 ሕጸ ስልማት ፡ 10 ናይ ግራሚ ሽልማት ብምውሳድ ኣብ ታሪኽ ሳልሰይቲ ብብዝሒ ንስልማት ዝተሓጽየት ጓል-ኣንስተይቲ ክትከውን ኪኢላ ። ኣብ 80 ዓመት ዕድሚኣ ብሕማም መንሽሮ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምቅላስ'ያ ፡ ኣብ ናሽቪል ብሰላም ዓሪፋ ።
Thu, 27 Aug 2026 - 10min - 6501 - ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ (ጸብጻብ)
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ : ደገፍ ኣውስትራልያ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝጭበጥ ውጽኢት የምጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 25 ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ኣብ ትግራይ ድጋፈን ገሊፀን። ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ ኣላ። ኢትዮጵያዊት ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ትስዕብ ኣላ። እቲ ኣብ ቬትናም ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ውድድር ብድምጺ ህዝቢ ብመሪሕነት ኤርትራዊት፣ ኢትዮጵያዊትን ናይጄሪያትን ተወዳደርቲ ደሚቑ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ።
Thu, 27 Aug 2026 - 09min - 6500 - How can my child learn about Indigenous Australia? - ዉሉደይ ብዛዕባ ደቀባት ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ?
Supporting your child’s connection with the world’s oldest continuing living culture is one of the greatest gifts you can offer them while raising them in Australia. But if you’re new to the country, you may be unsure where to begin. Here are some starting points and ideas to help you and your child learn about Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, cultures and history. - ውሉድካ ኣብ ኣውስትራልያ ብ እተዕብየሉ ነቲ ኣብ ዓለም ጥንታውን ዝቕጽል ዘሎ ህያው ባህሊ ክፈልጡን ምትእስሳር ክፈጥሩ ምድጋፍ ፡ ሓደ ኸተበርክቶ እትኽእል ዝዓበየ ውህበት እዩ ። ኣብ ሃገር ሓድሽ እንተኾይንካ ግን ካበይ ከምዝጅምር ርግጸኛ ከይትኸውን ትኽእል ኢኻ ። ንርእስኹምን ንውላድኩምን ብዛዕባ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትርን ኣይላንደራትን ህዝብታት ፡ ባህልን ታሪኽን ንኽትፈልጡ ዝሕግዘኩም መበገሲ ሓሳባትን ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ ።
Wed, 26 Aug 2026 - 07min - 6499 - ዶሊ ፓርተን ዓሪፋ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ነሓሰ 2026)
** ህብብቲ ደራፊት ዶሊ ፓርተን ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ... ** ካናዳ ኣንጻር ኣመሪካ $20 ቢልዮን ዶላር ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብሪ ኣብ ሰደድ ኣመሪካ ኣዊጃ። ** ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ምትእስሳር ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።
Wed, 26 Aug 2026 - 06min - 6498 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)
** ዓባይ ብሪጣንያ ምስጢራዊ ናይ ሚሳይል ተክኖሎጂኣ ንዩክረይን ከተካፍላ ተሰማሚዓ... ** መጠን ጸዓት ኣብ ማእከላት መኸዘኒ ሓበሬታት ዝውዕል ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብሸውዓተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ተፈሊጡ። ** ኣብ ቪክቶርያ ፡ ሰበ-ስልጣን ካብቲ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ኤች5 ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ስጕምቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዘሎ እዋን ፡ 600 ንኣሽቱ ፔንጒን ኸቲቦም ።
Tue, 25 Aug 2026 - 03min - 6497 - “ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ
ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ምስ SBS ትግርኛ ኣብ ታሕሳስ 2015 ገበረ። ብዙሓት ድማ ዝኽሮም ተሃዲሱ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ስርሑ ክድህስሱ ተቐሲቦም። ሎሚ ድማ ሕልፈት ናይቲ ህዝቡብ ስነ ጥበባዊ የሱፍ ስዒድ ኣብዝስመዓሉ ዘሎ እዋን ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ስርሑን መን ምዃኑንን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።
Tue, 25 Aug 2026 - 55min - 6496 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026)Mon, 24 Aug 2026 - 47min
- 6495 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሕማም ጉንፋዕ ኣዕፋ- H-5N-1 ንፈለማ እዋን ኣብ መጥበውቲ ምር ኣዩ ሻቕሎት ፈጢሩ። ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርጻ ፕረዚደንት፣ ሰንደቕ ዓላማ ፣ ኣመራርጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከምኡውን ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ጉዳያት ብዘይምስምማዕ ተዛዚሙ ። ሰለስተ ተጻወትቲ ኣርጀንቲናን ሓደ ተጻዋታይ ስጳኛን ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዝፈጸምዎ ናይ ዲሲፕሊን ጉድለት ተቐጺዖም ።
Mon, 24 Aug 2026 - 11min - 6494 - በዓል ኣሸንዳ ፥ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይተኻየደ ተሪፉ ። (ጸብጻብ)
ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይካየድ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ዝተሰረዘ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዶባት ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ። ኣብ ኤርትራ መሃይምነት ንምጥፋእ፡ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ተሓንጺጹ ። ሃገራዊ ዋዕላ ሕርሻዊ መጽናዕትታት ኤርትራ 2026፡ ተዛዚሙ። ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጡ።
Mon, 24 Aug 2026 - 07min - 6493 - Prepare now: authorities flag significant spring bushfire risk - ሕጂ ተዳለዉ! ሰብመዚ ልዑል ሓደጋታት ሓዊ ዝመጽእ ወቕቲ ከምዝህልዉ የጠንቅቑ
Australians are being urged to prepare for a potentially challenging spring, with an elevated bushfire risk forecast across several parts of the country. Authorities say conditions vary significantly from region to region, with dry weather, warmer temperatures and increased fuel loads contributing to the risk. - ኣውስትራልያውያን ትንበያ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ባርዕ ጣሻ ኣብ ብዙሕ ክፋላት’ዛ ሃገር ኣብ ዝሃለወሉ ንተኽእሎ ክስተት ሓደ በዳሂ ዝኾነ ጽድያ ክዳለዉ መተሓሳሰቢ ቀሪብሎም። ሰብመዚ ኩነታት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ኣዝዮም ዝፈላለዩ ምዃኖምን ደረቕ ኩነታት ኣየር፣ ዝወዓዩ ሙቐታትን ዝያዳ ጽዕነታት ዝቃጸሉ ነገራትን ናብ’ቲ ሓደጋ ኣበርክቶ ይገብሩ ይብሉ።
Mon, 24 Aug 2026 - 06min - 6492 - ተዘክሮ ኣሸንዳ፡ ‘ናይ ወለድና ቀምሽ ተኸዲንና ንፃወት ኔርና’ ወ/ሮ ኣበባ ሓጎስ
ኣብ ኣወስትራልያ ን 32 ዓመታት ዝተቐመጠት ነባሪት መልበርን ወ/ሮ ኣበባ፡ ካብተን ባህሊ ኣሸንዳ ከይርሳዕ ዓመት መፀ ከይተሓለላ ዝጉስጉሳን ዘምህራን ሓንቲ እያ። ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብታ ዝተወለደትላ ከተማ መቐለን ኣብዚ ኣብ ኣወስትራልን ዝምልከት ተክሮታታ ክተካፍለነና ምስ ሃይሉ ሳህለ ፃንሒት ጌራ ኣላ። ርሑስ በዓል ኣሸንዳ
Sun, 23 Aug 2026 - 13min - 6491 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026)Thu, 20 Aug 2026 - 51min
- 6490 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዞሚ ፍራንኮም ን ን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝቐተለ ስርሒት ዝምልከት ክግበር ዝጸንሐ መርመራ ገበን ንምዕጻው ምውሳኑ ፡ኣውስትራሊያ ምቚጣዓ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣውስትራሊያ ተዛሪባ። ሚንስተር ታንያ ፕሊበርስክ ካብ 20 መስከረም ኣትሒዙ ልዕሊ 5.3 ሚሊዮን ኣውስትራሊያዊያን ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ዝኽፈል ክፍሊት ክብ ከምዝብል ኣፍሊጣ ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋቲ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ናይ ሓሽሽ ኮኬን ከምዝወሰደ ተመርሚሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ይቕረታ ሓቲቱ ።
Thu, 20 Aug 2026 - 09min - 6489 - " መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ'ሎ።" ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ።
ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ። ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።
Thu, 20 Aug 2026 - 08min - 6488 - ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓገዝ ክስእኑ ከግብር ዝኽእል፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ NDIS ጸዲቑ ።
ብዛዕባ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ክትዕ ክግበረሉ ድሕሪ ምቕናይ ብደገፍ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ኣሎ ። እቲ ሕጊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ባጀት ግንቦት ዝቐረበ ምጉዳል ወጻኢታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ክቑጠብ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት 37.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ። ግሪንስ: ገለ ኣባላት ፓርላማ ናይ ጎኒ መናብር: ከምኡውን ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላን ነቲ መስርሕ ብታህዋኽ ከም እተኻየደን ጕድኣት ከምጽእ ምዃኑን ይዛረቡ ። እተፈላለዩ ተጣበቕቲ እውን ፡ ኣብ መንግስታት ግዝኣታት ዝምሕደር ኣማራጺታት ኣብ ግዜኡ ድሉው እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ ፣ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ምጉዳል ባጀት ድማ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ይምጉቱ ።
Thu, 20 Aug 2026 - 12min - 6487 - #117 Borrowing books at the library (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS #117 Borrowing books at the library (Med)
Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the library catalogue. - Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the library catalogue. ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ንምኻድ ዝጠቕሙ ናይ እንግሊዝኛ ዝርርብ ተምሃር ። ንእተለቃሕካዮ መጻሕፍቲ ንምምላስ ፡ ብዛዕባ ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ፡ ዝተለቃሕካዮም ምሕዳስ ፡ ዘድልየካ ኣቐዲምካ ምሓዝ ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ትሕዝቶ ቤተ መጻሕፍቲ ተጠቒምካ መዓልታዊ ሓረጋት ምልምማድ ።
Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here. - Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.Wed, 19 Aug 2026 - 14min - 6486 - ኣብ ትግራይ ከባቢ መቐለ መጥቓዕቲ ድሮን ተፈጺሙ። (ጸብጻብ)
**ግብጺ ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኒል ዝምልከት ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ፡ ** ወጻኢታት ኣብ ስንክልና ንምንካይ ተባሂሉ ዝወጸ ኣካራኻሪ ሕጊ እተገብረ ምምሕያሽ ፡ ብላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ። ** ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ዘቕረቦ ሕቶ ብምግዳድ ነቲ ስትራተጂያዊ ክሊ ማይ ሓድሽ ናይ ኣመሪካ ግዝኣት ከምዝኾነ ዘርእይ ካርታ ዘርጊሑ።
Wed, 19 Aug 2026 - 06min - 6485 - Birth and pregnancy care options in Australia - ኣማራጺታት ክንክን ሕርስን ጥንስን ኣብ ኣውስትራሊያ፡
If you're first-time parents in Australia, choosing where and how to give birth can feel overwhelming. Whether you go through the public or private health system, it is important to understand your options and know where to reach out for advice to make the right decision for you and your baby. - ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንመጀመርታ ግዘ ወለዲ እንተኾይንኩም ፤ ኣበይን ብኸመይን ከምትወልድ ምምራጽ ብዙሕ ከቢድ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ። ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ናይ ጥዕና ትካላት ክንክን ዝግበረልኪ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ፡ ዘለኪ ኣማራጺታት ክትርድእን ንዓኺን ንውላድክን ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብሪ ካበይ ምኽሪ ክትረክቢ ከም እትኽእሊ ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ ።
Tue, 18 Aug 2026 - 09min - 6484 - ናብ ትግራይ ካብ ዝኣቱ፡ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ብዝሒ ሰብ እናወሰኸ ይኸይድ። (ጸብጻብ)
** ዘተ ሰላም ኣብ ኣዕጹው ማዕጾ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋኣን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምትፍኑ ኣፈራሪሓ። ** ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽንያት ወጥርን ስግኣት ውግእን ፣ ናብ ትግራይ ካብ ዝኸዱ ሰባት ንላዕሊ፣ ካብ ትግራይ ናብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰባት ከም ዝበዝሑ ተፈሊጡ። ** ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣውሮጳ፣ ንጀርመን ዝወዳደር ትውልደ ኤርትራዊ ኣማናል ጴጥሮስ ወርቂ ሜዳልያ ተዓዊቱ።
Tue, 18 Aug 2026 - 06min - 6483 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 2026)Mon, 17 Aug 2026 - 53min
- 6482 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 20260
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ መጀመርታ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ኣኑቲን ቻርነቪራኩል ክቕበሎ እዩ ። ሓለቓ ሰራዊት ኢራን ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝቐተለ ወይ ዝሓዘ ፡ ናይ 30,000 ዶላር ኣመሪካ [42,500 ዶላር] መቑሽሽ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ። እቲ ናይ ኣተኒስ U ዝቕርጹ ስታድዩም ፓናትንኣይክ ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ንፈለማ እዋን ብስርዓታዊ ኣገባብ ክጸሪ ጀሚሩ ።
Mon, 17 Aug 2026 - 10min - 6481 - መንግስታት ፌደራን ክልል ትግራይን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ። ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ። ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።
Mon, 17 Aug 2026 - 08min - 6480 - ጉዳይ ኒኮላስ ማዱሮ - ዓለም ዘሰንበደ ህሞት፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፍተነሉ ኮይኑ'ሎ
ዓለም ዘሰንበደ ህሞት ኔሩ፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይፍትን ኣሎ። ምትሓዝ ኒኮላስ ማዱሮ ዘይተለምደ መንገዲ ሒዙ’ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝበጽሐ። ሕጂ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ።
Mon, 17 Aug 2026 - 18min - 6479 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026)Thu, 13 Aug 2026 - 50min
- 6478 - "ካብ ዓደይ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ'ዩ ኮይኑ፡ ንትግራይ ግና ብዝኾነት ሃገር ክልውጣ ኣይክእል እየ፣" ን 40 ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ።
ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ።
Thu, 13 Aug 2026 - 35min - 6477 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ጽሩይ /ነት ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ 180,000 ክዉሕድ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ርእይቶ ካብ ብጾቱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣይረኸበን ። ካብ ባሊ ናብ ሎሞቦክ ኣብ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምንዳዳ ክልተ ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 211 ሰባት ድሒኖም ። ሊዮነል መሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦኡ ድሕሪ ምማቱ፡ ምጽዋት ኲዕሶ እግሪ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝጠራጠር ገሊጹ።
Thu, 13 Aug 2026 - 09min - 6476 - ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ)
ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ። ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ዩ ክብል ከሲሱ። ኣብቲ ዞባ ቀጻሊ ዞባዊ ወጥሪን ግጭትን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ሱዳን ምስ #ሞቃድሾን #ካይሮን ዝርርብ ኣካይዳ።
Thu, 13 Aug 2026 - 10min - 6475 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ነሓሰ 2026)
** ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ቀሪበን ኣለዋ ክትብል ፓኪስታን ኣፍሊጣ ... ** ትማሊ ኣብዝተገብረ መጽናዕቲ ህዝቢ ዘይመል ኡ ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ... ** ኣብ ታሪኽ ሂፕ-ሆፕ ሓደ ካብቲ ዘይተፈትሐ ምስጢር ቅትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ይምርመር ኣሎ ።...
Wed, 12 Aug 2026 - 04min - 6474 - Can you pick fruit from someone's garden? - ካብ ናይ ሰብ ግራት ፍረታት ምውሳድ ይከኣል ዶ?
Walking through an Australian suburb, you might spot everything from curry leaves and lemons to tomatoes and herbs growing in front gardens or on verges. But is it legal to pick it? This guide explains when it's legal to pick produce, why permission matters, and how community gardens offer another way to grow your own food. - ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኽትዛወር ከለኻ ፡ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ከባቢኻ ስፍራ ኣታኽልቲ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ ። እንተዀነ ግን: ኣልዒልካ ክትወስድ ሕጋዊ ድዩ ? እዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ መዓስ ፍርያት ክትወስድ ከም ዘሎካ ፡ ስለምንታይ ፍቓድ ከም ዘድልየካ ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ሕርሻ ብኸመይ ናይ ርእስኻ ምግቢ ከም እተፍሪ ዝገልጽ እዩ።
Tue, 11 Aug 2026 - 08min - 6473 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርናኛ (11 ነሓሰ 2026)
** ኣብ ኮሎምቢያ ድሕሪ አጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድልያ ህልዋት ይቕጽል ኣሎ። ** ሎሚ ኣብ ዝግበረ መጽናዕቲ ህዝቢ፡ ንሓለዋ ሓበሬታ ዝምልከት መንግስቲ መረጋገጺሂቡ... ** ጃፓን ምውሳኽ ንምክልኻል እተውጽኦ ወጻኢታትን ነቲ ሰላማዊ ሕገ መንግስታ ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቕስ ዝቃወም ኣብ ቶክዮ ሰልፍታት ተቓዉሞ ተገይሩ ።
Tue, 11 Aug 2026 - 03min - 6472 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026)Mon, 10 Aug 2026 - 49min
- 6471 - ዕለታዊ ዜን SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራባዊ ሳብበርብታት ናይ መልበርን ሓደ በዓል ድኳን ድሕሪ ምማቱ ማሕበረሰባዊ ድሕንነት ንምብራኽ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ መንግስቲ ቪክቶሪያ ገሊጹ ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀድ ቫንስ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ምስ ኢራን እተገብረ ዝርርባት እተወሰነ ዕቤት ከም ዝገበረ ገሊጹ ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዚርከቡ ኵሎም ሰባት ፡ ጽባሕ ለይቲ [ሰሉስ] ኣብ ሃገራዊ ቘጸራ ህዝቢ ኽካፈሉ ተማሕጺኑ ።
Mon, 10 Aug 2026 - 08min - 6470 - ኤርትራ፡ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። (ጸብጻብ)
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ናይ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ብዝርርብ ፍታሕ ክረኽቡ ጸዊዑ። ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ታሪኻ ኣብ መበል 75 ውድድር ወይዘሪት ዓለም ትሳተፍ ከም ዘላ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ ከተማ ሸራሮ ፕላን ዕብየት 10 ዓመት እታ ከተማ ኣፅድቑ። ኤርትራ ኣብ ልኡላውነት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ዝተሰረተ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። ዘፈር ዕደና ኢትዮጵያ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝረኸ ሚኒስቴር ዕደና ኣፍሊጡ።
Mon, 10 Aug 2026 - 09min - 6469 - ንኣውስትራልያ ከ ከም ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ድዩ፧
ክፋላት ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምና ክብረወሰናት ብዝሓማሸሹ ሙቐታት ተሾሊቖም ኣብ ዝሃለውሉ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ'ዚ ዝሑል ወቕቲ ክረምቲ (ዊንተር) እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ትገብር፧
Mon, 10 Aug 2026 - 06min - 6468 - ንምንታይ ዋጋ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ጎዲሉ፧ ዝርርብ ምስ ኪኢላ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ
ኣብ ኣወስትራልያ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ይቕንስ ኣሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ምጉዳል ዋጋ ኣባይቲ ብምንታይ ምኽንያት’ዩ፧ ገለ ዓደግቲ ገዛ ተወሳኺ ምጉዳል እንተመጸ ብምሕሳብ እቲ ናይ ምዕዳግ ገዛ መደቦም ዘደንጉዩ ኣለዉ፡ ኣብዚ እንታይ ምኽሪ እዩ ዘሎ? ንዝብሉን ካልእ ምስ ዕዳጋ ገዛ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ክምልስ ልኡኽና ሃይሉ ሳህለ ንበዓል ሞያ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ ሓቲቱ ዘዋደዶ መደብ ።
Sun, 09 Aug 2026 - 09min - 6467 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026)Thu, 06 Aug 2026 - 50min
- 6466 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፡ብኣማእታት ዝቝጸራ መራኽብ ተኸርዲነን ኣብዘለዋሉ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዘገምታ ንቕድሚት ይስጕም ኣሎ ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣየር ኢንዲያ ኰይኑ ። ልዕሊ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከቢድ ናይ መግቢ ጸገም የጋጥሞ ከም ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም [WFP] ገሊጹ ።
Thu, 06 Aug 2026 - 10min - 6465 - ንሕብረት ኣውሮጳ ዘጨነቐ ማዕበል ስደተኛታት
ስጳኛ ኣብ ስደተኛታት ሳይቱ ዝገበረቶ ኣተሓሕዛ ሕብረት ኣውሮጳዊ ሞጒሱ ። እዚ ዝኾነ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞሮኮ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ከተማ ስጳኛ ብማዕበል ዝሰግሩ ስደተኛታት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ፍልሰት እታ ኣህጉር ዝምልከት ክትዕ ኣልዒሉ ይርከብ ። ሰበ ስልጣን ስጳኛ ፡ ካብቶም ኣስታት 72,000 ዝዀኑ ሰባት ናብ ሳይቱ ዝተሳገሩ ፡ 70,000 ናብ ሞሮኮ ከምዝተመልሱ ገሊጾም እዮም ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ መርበባት ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጻዊዒት ቀሪቡ ኣሎ ።
Thu, 06 Aug 2026 - 09min - 6464 - ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻትላ። (ጸብጻብ)
ምምሕዳር ትግራይ ምስ ተፃረርቲ ሓይልታት ዝወገኑ መናእሰይን ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱ ዘኽእል ሓዱሽ መምርሒ ኣውፂኡ። ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንካልኣይ ግዜ ኣረጋጊጻ። ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ፖለቲከኛታትን ሓደ ጠበቓ ሕግን ምስ ህወሓት፣ ፅምዶን ሽበራን ዝተኣሳሰረ ክሲ ከም ዝመስረተ ተገሊጹ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ" ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ተወልደ ገብረማርያም ሓዱሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክሳራ ንዝርከብ መንገዲ ኣየር ህንዲ ክመርሕ ተመዚዙ። ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ሓድሽ ግድብ ክትሃንጽ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጣ። ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 49 ስሩዕ ዋዕላ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።
Thu, 06 Aug 2026 - 08min - 6463 - What are my rights if stopped by police in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ደው እንተቢሉኒ መሰለይ እንታይ እዩ?
Police officers have a range of operational powers they can exercise under legislation, including to ask questions, give ‘move on’ directions and conduct searches. Here’s what you need to know about your basic rights and obligations in a police interaction. - ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝተዋፈሩ እዋን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ስልጣናት ኣለውዎም ፤ ከም ሕቶታት ምሕታት ፤ ' ኣንፈት ጉዕዞ ምቕያር ከምኡ 'ውን መርመራታት ምግባር የጠቓልል ። ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ኣብትገብሮ ምግዋር ዘለካ መሰረታዊ መሰላትን ግዴታታትን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Wed, 05 Aug 2026 - 09min - 6462 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ነሃሰ 2026)
** ኢራንን ዖማንን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋት ኣብ ግበር ዘሎ ጻዕሪ ፡ ምዕባለታት ይገብራ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ ። ** ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘምርሕ" ከይከውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣጠንቂቑ። ** ልዕሊ 170 ስደተኛታት ብ መትረብ እንግሊዝ እናሳገሩ ጃልባኦም ድሕሪ ምንዳዳ ካብ ሞት ድሒኖም ።
Wed, 05 Aug 2026 - 04min - 6461 - How to answer the 2026 Census English proficiency question | Bonus episode - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS: ኣብ እዋን ምምላእ ቆጸራ ህዝቢ 2026፡ ብዛዕባ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝቐርብ ሕቶ ብኸመይ ንምልሶ?
How do you choose between "not well", "well" and "very well" when the Census asks about your English? Honorary Professor Lynda Yates explains what these answers mean in everyday life, why perfect grammar isn't the goal, and how to assess your English with confidence. - ቈጸራ ህዝቢ ብዛዕባ ክእለካ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝሓትተሉ እዋን ፡ ካብ "ኣይክንድትን" "ጽቡቕ" ወይ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ኣየናይ ኢኻ እትመርጽ ? ናይ ክብሪ ፕሮፌሰር ልንዳ ዪትስ እዚ መልስታት እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እንታይ ማለት ምዃኑ ፡ ስለምንታይ ፍጹም ሰዋስው ከም ሸቶኡ ከም ዘይኰነ ፡ እንግሊዝኛኻ ብኸመይ ብምትእምማን ከም እትግምግሞ ትገልጽ ። How do you choose between "not well", "well" and "very well" when the Census asks about your English? Honorary Professor Lynda Yates explains what these answers mean in everyday life, why perfect grammar isn't the goal, and how to assess your English with confidence.
Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.
- Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.Tue, 04 Aug 2026 - 12min - 6460 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (04 ነሓሰ 2026)
** ኣብ መዘናግዒ ቦታ ጸሊም ባሕሪ ናይ ሩሲያ ብምጥቃዕቲ ድሮን ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ... ** ኩባኒያታት ኣራታዕቲ ኣብ ጸገም ወልፊ ንዘለዉ ተጣላዕቲ ሓሽሽ ምሃቦም ተኸሲሶም ... ** ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከብ ግዝኣት ሴኩታ ስጳኛ ድሕሪ ምስጋሮም ሎሚ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ክገብሩ እዮም ።
Tue, 04 Aug 2026 - 05min - 6459 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)Mon, 03 Aug 2026 - 53min
- 6458 - ዕለታዊ ዜናታት SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ እቲ መንግስቲ ገይርዎ ዝጸንሐ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ልዕሊይ ነዳዲ ኣብቂዑ ። እዚ ማለት ዋጋ ነዳዲ ብ17 ሳንቲም ኣብ ሊትሮ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር ። ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክፍጸም ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕትታት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ ፣ እቲ ፊፋ ንውልቀ ኢንቨስተራት ናይ ዋንጫ ዓለም ብርኪታት ንምሻጥ ዘውጽኦ ውጥን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ።
Mon, 03 Aug 2026 - 08min - 6457 - ፊፋ ንዋንጫ ዓለም ናብ ውልቃዊ ዋንነት ከሰጋግሮ ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ
ፊፋ ምስግጋር ናብ ውልቃዊ ዋንነት ዋንጫ ዓለም ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ። ፊፋ 20% ብርኪ ወይ ዋንነት ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዝሸይጥ ንግዳዊ ኢድ ወይ ጨንፈር ከቕውም እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ።
Mon, 03 Aug 2026 - 08min - 6456 - ወከልቲ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝባን ሑፃ ርክባት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
ወከልቲ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝባን ሑፃ ርክባት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ። ኣብ ሸረሪና መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ተወሊዑ ዝነበረ ውግእ ደው ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። 8ይ ዋዕላ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ተዛዚሙ።
Mon, 03 Aug 2026 - 04min - 6455 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሓምለ 2026)Thu, 30 Jul 2026 - 44min
- 6454 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (30 ሓምለ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ዓሰርተ ሓደ ኣዕዋፍ ሕማም ሰዓል ኣዕዋፍ H5 ሕማምስ ዘለዎም ድሕሪ ምርካቦም ፡ ዝያዳ እተጠርጠሩ ሕሙማት ኣዕዋፍ ከምዘለዉ ተፈሊጦም ። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ባርዕ ዱር፡ እናገደደ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፣ ኣብ ግሪኽ ፡ ሰለስተ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ምቅላስ ባርዕ እናሃለዉ ተቐቲሎም ። ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዚናዲን ዚዳን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክኸውን ሸይምዎ ኣሎ ።
Thu, 30 Jul 2026 - 08min - 6453 - መጠን ዝቕባበ ጎዲሉ፡ ናህሪ ዋጋታት ግና ሕጂ'ውን ልዑል'ዩ ዘሎ፡
መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣንቈልቊሉ እዩ ዘሎ: እንተዀነ ግን ጸቕጥታት ክብሪ ዋጋ ገና ልዑል እዩ ዘሎ ። እዚ ኣሃዛት እዚ ሓድሽ ዝመጸ ናይ ሪሰርቭ ባንክ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ወለድ ስለምንታይ ከም ዝውስኽ ወይ ነቲ መጠን ዝቕባበ ብኸመይ ከም ዝወርድ ከምዘይርድ ኦም ኣብ ዝተፈልጠሉ እዋን እዩ።
Thu, 30 Jul 2026 - 05min - 6452 - ኣብ ኤርትራ፡ ምእካብ ባጤራ ናቕፋን ኣብ ዕዳጋ ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎትን፡ (ጸብጻብ)
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምስ ኤርትራን ግብጽን ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ብዕዳጋ ዝምራሕ ስርዓት ሸርፊ ወጻኢ ድኽነት ኣብ ክንዲ ዘጉድል ከም ዘጋደደ ሰነድ ፖሊሲ ባንኪ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ መምርሒ ባጤራ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመሸጣ ቲኬት ዝረኸቦ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ካብ ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ከውጽእ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ቆንስላ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ጣልቃ ንኽኣቱ ሂውማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ።
Thu, 30 Jul 2026 - 08min - 6451 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሓምለ 2026)
** ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋት ሓድሽ እማመ ኣቕሪባ... ** ኣመልከቲ ቪዛ ብዛዕባ ጸረ ሴማውነት ዘለዎም ኣረኣእያ ምግምጋም ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓላፊት ኢሚግሬሽን ኣውስትራሊያ ገሊጻ... ** ኣብ 2025 ዝወሃቡ ናይ ሓዳር ፍትሕ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ 4.1 ሚኢታዊ ናብ 49,148 ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ።
Wed, 29 Jul 2026 - 04min - 6450 - What is the Garma Festival and why is it important? - ፈስቲቫል ጋርማ እንታይ'ዩ ኣገዳስነቱ'ኸ፧
The Garma Festival is Australia’s largest Indigenous cultural gathering where thousands of people travel to a remote town in Nhulunbuy on northeast Arnhem Land in the Northern Territory. Here's what happens at Garma and who can attend. - ፈስቲቫል ጋርማ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝዓበየ ናይ ደቀባት ባህላዊ ምትእኽኻብ ኰይኑ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነም ላንድ እትርከብ ከተማ ኑሁሉንባ ይጐዓዙ ። ኣብ ጋርማ እንታይ ከም ዝኸውንን መን ኣብኡ ክርከብ ከም ዝኽእልን ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ ።
Wed, 29 Jul 2026 - 07min - 6449 - ካብ ስደተኛ ናብ ላዕለዋይ ኪኢላ ስርዓተ-ማይ መንግስቲ ኲንስላንድ፥ ዕዉት ጉዕዞ ትምህርትን ስራሕን ኢ/ር ክብሮም ወልዳይ
ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራሕ ይርከብ። ንኻልኦት ተመክሮ ክኸውን ዝኽእል ጉዕዞ ትምህርቱን ስርሑን ኣካፊሉና ኣሎ።
Tue, 28 Jul 2026 - 36min - 6448 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሓምለ 2026)
** ኢራን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀጥታዊ ዘተ ኣይተገብረን ትብል፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክህብ’የ ይብል። ** ኣውስትራሊያን ሲንጋፖርን ብዛዕባ ዉሕስነት ነዳዲ ዝምልከት ዉዕል ተፈራሪመን። ** ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋ ንዝርከባ ወሰንቲ ከተማታትን ስትራተጅያዊ ቦታታትን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።
Tue, 28 Jul 2026 - 05min - 6447 - ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ሓምለ 2026)Mon, 27 Jul 2026 - 49min
- 6446 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ሓምለ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝግበር ዝነበረ በዓል ፕራይድ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ዝቐተለን 29 ድማ ዘቑሰለን ጥርጡር ብጥይት ፖሊስ ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ። ምምሕዳር ትራምፕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክህብ ብምባል እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፡ ደው ካብ ዝብል ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ። ታዴይ ፖክጃ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ንሓሙሻይ ግዜ ተዓዊቱ ።
Mon, 27 Jul 2026 - 10min - 6445 - ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። (ጸብጻብ)
በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛቱ ንምቕጻል 182 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ። ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ 114 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ማዕርግ ኣመሪቑ። ብርቱዕ ምዝባዕ ነባሪ ኣየር ዘንቀሎ "ሱፐር ኤል ኒኖ» ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ቁጠባዊ ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቑ።
Mon, 27 Jul 2026 - 06min - 6444 - 'ተዓዊትናሉ! ፈጺምናዮ!' ምንቅስቓስ ‘ድዱዕ’ ናይ ህንዲ ዓቢይ ዓወት ኣመዝጊቡMon, 27 Jul 2026 - 04min
- 6443 - ካብ ዋንጫ ዓለም ብፍሉይ ንዝክሮም ኣየኖት'ዮም፧ ሓደስቲ ሕግታት ንመቐረት ጸወታ ለዊጦሞ ድዮም፧ ብዝሒ ተሳተፍቲ ሃገራት ከ፧ ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ
ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስፐይን ከምዝተዛዘመ ዝዝከር'ዩ። ስፐይን 'ብቑዓትን ዝግበኦም ተዓወትን' ተባሂሎም ብብዙሓት ይግለጹ። ኣብ ፍጻመ ዝተሳዕሩ ኣርጀንቲና ግን ኣብ’ቲ መዓልቲ፣ ግጥም፣ ምዱብ ግዚኡ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊኦም ኤንዞ ፈርናንደዝ ብክልተ ቢጫ ካርድታት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተሰጒጉ ብ10 ተጻወቲ ክቕጽሉ ተገዲዶም። ነዚ መዝሚዞም ድማ ስፐይን ብፌራን ቶረስ ኣቢሎም ተዐውቶም ሽቶ ኣመዝጊቦም። እቲ ምልኩዕ ጸወታ ኢልና ንጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መወዳእትኡ ተዓዊቱ እንተወጸ'ኳ ነባሪ ተዘክሮ ወይ ሓድጊ ናይ'ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዘአንገደኦ ታሪኻዊ ውራይ ግን እንታይ ክኸውን'ዩ፧ ነቶም ንዋንጫን ንደረጃን ዝተኻየዱ ግጥማት ብፍላይ፣ ንብምሉኡ’ቲ ውራይ ድማ ብሓፈሻ፣ ክንድህስሶ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ምሳና’ሎ።
Sun, 26 Jul 2026 - 30min - 6442 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026)Thu, 23 Jul 2026 - 52min
Podcast simili a <nome>
El Partidazo de COPE COPE
Herrera en COPE COPE
La Linterna COPE
Es la Mañana de Federico esRadio
La noche de Cuesta esRadio
Hondelatte Raconte Europe 1
Au Coeur du Crime Europe1
Affaires sensibles France Inter
LEGEND Guillaume Pley
El colegio invisible OndaCero
La Rosa de los Vientos OndaCero
Les grands dossiers de l'Histoire par Franck Ferrand Radio Classique
Espacio en blanco Radio Nacional
Enquêtes criminelles RTL
Entrez dans l'Histoire RTL
Le grand récit RTL
Les Grosses Têtes RTL
Les histoires incroyables de Pierre Bellemare RTL
L'Heure Du Crime RTL
El Larguero SER Podcast
SER Historia SER Podcast
Todo Concostrina SER Podcast
Un Libro Una Hora SER Podcast
HISTORIAS DE LA HISTORIA VIVA RADIO
Altri podcast di Società e Cultura
Conversations ABC Australia
Casefile True Crime Casefile Presents
Forensic Files HLN
The Diary Of A CEO with Steven Bartlett DOAC
Ukraine: The Latest The Telegraph
Forbidden History Like A Shot Entertainment
Barangay Love Stories Barangay LS 97.1 Manila | GMA Network Inc.
Unexplained iHeartPodcasts
Late Night Live — Full program podcast ABC Australia
Australia All Over ABC Australia
Stuff You Should Know iHeartPodcasts
The Best of Coast to Coast AM iHeartPodcasts and Coast to Coast AM
Forensic Files II HLN
Life Uncut LiSTNR
Australian Histories Podcast Australian History retold by AHP
2 Worlds Collide Podcast Sam Bamford
The Economy, Stupid ABC Australia
Papa Dudut Stories Papa Dudut | TAGM Marketing Solutions Inc.
Dear MOR MOR Entertainment
James O'Brien's Mystery Hour Global
SBS Arabic24 Podcasts
SBS Vietnamese - SBS Việt ngữ SBS
SBS Cantonese - SBS廣東話節目 SBS
SBS Japanese - SBSの日本語放送 SBS
SBS Nepali - एसबीएस नेपाली पोडकास्ट SBS
SBS Mandarin - SBS 普通话电台 SBS
SBS Tamil - SBS தமிழ் SBS
SBS Lao - SBS ພາສາລາວ SBS
SBS Hindi SBS
SBS Bulgarian - SBS на Български SBS
SBS Bangla - এসবিএস বাংলা SBS
SBS Malayalam - എസ് ബി എസ് മലയാളം പോഡ്കാസ്റ്റ് SBS
