Filtrar por gênero

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5012 - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ኣፓርታይድ
0:00 / 0:00
1x
  • 5012 - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ኣፓርታይድ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዛ ዝተጓዕዘቶ ጉዕዞ ኽሳብ ክንደይ ዕቤት ከም ዘርኣየት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ ።

    Mon, 29 Apr 2024 - 05min
  • 5011 - ኣብ ዙር ቱርኪየ መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ቻይና ተዓዊቱ፣

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/04/2024) * ኣብ ከተማ ሱቾው፣ ቻይና፣ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ርክባት ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባሬጋ ኣብ 5000 ሜ ተዓዊቱ፣ * ማራቶን ማድሪድ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ምትኩ ታፋን ፍቅረ በቀለን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ * ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪየ ኤርትራውያን መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ሓያል ብቕዓቶም ብምምስካር ብሓፈሽኡ ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ወቕቲ 2023/24 ናብ ምዝዛም ገጾም እናተቓረቡ ኣብ ዝመጽሉ ዘለዉ እዋን ሻምፒዮን መን ክትከውን'ያ ገና እንተዘይተፈልጠ'ኳ እታ ቀዳመይቲ ንታሕቲ ትምለስ ጋንታ ግን ተፈሊጣ፣

    Mon, 29 Apr 2024 - 10min
  • 5010 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)

    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።

    Thu, 25 Apr 2024 - 16min
  • 5009 - "ምስጢር ጥዑም ጸብሒ ኣብ ሽጉርትን ኮሚደረን’ዩ ዘሎ።" ከሻኒ ኣሮን ዑመር

    ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

    Thu, 25 Apr 2024 - 14min
  • 5008 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)

    ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።

    Thu, 25 Apr 2024 - 56min
Mostrar mais episódios