Filtrar por género
- 6575 - ብድሆን ሜላን ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ወጻኢ ምስ ኪኢላ'ዚ ዓውዲ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ።
ኣተሕሳስባ ቆልዑን ዓብይትን ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧ ኣብ ውጻኢ ንዝዓዩ ቆልዑ፡ ኣተሓሕዛ ወለዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉን ካልእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑን ብድሆታቱን ኣመልኪትና ምስ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastTue, 06 Oct 2026 - 21min - 6574 - "ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ጥራይ'ዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና SBS ትግርኛ 6 ጥቅምቲ 2026)
** ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዘሕደሮ ጽልዋ ስጉምቲ ክውሰድ መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም። ** ኦሎምፒክ 2032 ብተፈጥሮ፡ እንስሳ ዘገዳምን መንነትን ኲንስላንድ ዝተደገፈ ኣርማ ጸወታታት ብሪስበን ወግዓዊ ኮይኑ። ** ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል መሪጹ።
#sbsaudiopodcastTue, 06 Oct 2026 - 05min - 6573 - Why power is split, and how that protects you | How Australia Works - ንምንታይ'ዩ ስልጣን ዝከፋፈል፡ ከምኡ ምዃኑ ኸ ንዓኹም ከመይ ይሕልወኩም፧ | How Australia Works
After receiving a fine for not wearing his motorbike helmet correctly, Hugo decides to have the matter heard in court. His story explains how Parliament, government and the courts have different roles, and how some official decisions can be questioned. - ናይ ሞተር ብሽግለታ ቆብዑ (ሀልመት) ብግቡእ ዘይምግባሩ መቕጻዕቲ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ህዩጎ (Hugo) እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣየሉ ወሲኑ። ዛንትኡ ባይቶ፣ መንግስቲን ኣብያተ ፍርድን ከመይ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ዕማማትን ኣለዎምን ገሊኦም ወግዓዊያን ውሳነታት ከመይ ክሕተተሎም ወይ ክምጉተሎም ይከኣልን ይገልጽ።
How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ንጹር መግለጺታትን ሓቀኛ ዛንታታትን ተጠቒሙ፡ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሕ፣ ሕግታት ከመይ ይወጹን ይቕየሩን ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ተስምዑን ክትርድኡ ይሕግዝ።
ኣብ ቀንዲ ገጽ መርበብ ሓበሬታ How Australia Works ነዚ ተኸታታትሊ ትሕዝቶ ስምዕዎን ሕጽር ዝበሉ ትሕዝቶኦም ድማ ብ60 ቋንቋታት ርኸብዎምን።Tue, 06 Oct 2026 - 08min - 6572 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)Mon, 05 Oct 2026 - 50min
- 6571 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ የመን ዝካየድ ዉግእ ገዲዱ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ሱዕዲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺ... ** ኣብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቲ ኒውካስል ናይትስ ብመኪና ረጊጹ 10 ሰባት ኣቑሲሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 18 ዓመት መራሒ መኪና ዋሕስ ተኸልኪሉ።... ** ኣብ ግጥማት N-R-L ሲድኒ ሩስተርስ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ፡...
#sbsaudiopodcastMon, 05 Oct 2026 - 09min - 6570 - ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናይ ሓባር ዉሳኔአን ኣፍሊጠን… ጸብጻብ
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ህወሓት ብወገኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ድሮን ሓላፍነት ወሲዱ። ኢትዮጵያ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከሲሳ ፤ ኤርትራ ብወገና ንሸውሃት መስኮት ባሕሪ ዝግበር ምስምስ ምዃኑ ገሊጻ። ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ። ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያን ሱዳንን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም።
#sbsaudiopodcastMon, 05 Oct 2026 - 10min - 6569 - መስርሕ ምምኽኻር ክለሳ SBS ጀሚሩ
ብዙሓት ድርብ ቋንቋታት ዝዛረቡን ስደተኛታትን ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ምትእስሳርን ናይ SBS መደባት ብቛንቋኦም ኣብ ሬድዮ ናይ ምስማዕ ዝኽርታትን ኣለዎም። እቶም መደባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተቐይሮምን ሰፊሖምን እዮም፣ ሕጂ ድማ፣ SBS ነቲ በብእዋኑ ዝቕየር ማሕበረሰባትን ድሌታትን ዘመናዊት ኣውስትራልያ ንምንጽብራቕ ዳግመ ክለሳ ኣገልግሎት ቋንቋኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ 5 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ህዝቢ ምምኽኻር ግዜ ድማ የካየድ ኣሎ።
#sbsaudiopodcastMon, 05 Oct 2026 - 07min - 6568 - Seismic: The Manchester City scandal and what happens now? - ዘንቀጥቅጥ፡ ውርደት ማንቸስተር ሲቲን መጻኢ ኣንፈቱን፧
Manchester City appeals a ruling over 115 alleged financial breaches as questions grow over a decade of success. - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር’ቲ ልዕሊ 100 ፋይናንሳዊ ሕግታት ጥሒሳ’ይሉ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸባ ውሳነ ይግባይ ኢላ’ላ። እቲ ውሳነ ነዛ ጋንታ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ዝዓበየ ውርደት ኣብ ታሪኽ ስፖርት ክኸውን ዝኽእል ከቐምጣ’ንከሎ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶም ውጽኢታትን ዓወታትን ድማ ምልክት ሕቶ ብምቕማጥ ኣብ ጠርጠራ የእትዮም ኣሎ።
Mon, 05 Oct 2026 - 12min - 6567 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2026)Thu, 01 Oct 2026 - 45min
- 6566 - መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 01 ጥቅምቲ)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር እስላም ዝተፈጸመ ምፍርራስ መቓብራት ይምርምር ኣሎ። ** መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ብመሳርሕቱ ተወጊኡ ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዕርፎ ነፋሪት ሱዕዲ ዓረብ ዓሊባ። ** ማንቸስተር ሲቲ ናይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሕግታት ፕረምየርሊግ ብምጥሓሳ ገበነኛ ኮይና ድሕሪ ምኽሳሳን መቕጻዕቲ ክገጥማ ከምዝኽእል ተፈሊጡ።
#sbsaudiopodcastThu, 01 Oct 2026 - 10min - 6565 - ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ)
ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም። ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉማጅ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብፂ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
#sbsaudiopodcastThu, 01 Oct 2026 - 13min - 6564 - "ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ
** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ...
#sbsaudiopodcastWed, 30 Sep 2026 - 05min - 6563 - መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡
ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት።
#sbsaudiopodcastWed, 30 Sep 2026 - 09min - 6562 - ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026)
** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ...
#sbsaudiopodcastTue, 29 Sep 2026 - 06min - 6561 - Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works
Do you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia’s three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn for help. - ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም ሰለስቲኦም ቀጸላታት (ደረጃታት) መንግስቲ ከመይ ይሰርሑ ተመሃሩ። ከባቢያዊ፣ ግዝኣታዊ ወይ ዶባዊ ምምሕዳርዊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ መንግስታት እንታይ'ዩ ሓላፍነቶምን ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ መኖም ትኸዱን ፍለጡ።
How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ’ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ ትሕዝቶታት ብ60 ቋንቋታት ኣብ ቀንዲ ገጽ How Australia Works ርኸቡ።Tue, 29 Sep 2026 - 08min - 6560 - You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works
How do Australia’s governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ? ብሓቀኛ ዛንታታት ኣቢሉ፡ እዚ መእተዊ ናይ’ቲ ተኸታታሊ መደብ፡ ሓበሬታን ደገፍን ኣብ ዘድልየኩም እዋን ካበይ ትጅምሩን፡ ንሓደ ውሳነ ድማ ብኸመይ ትብድህዎን ትሓቱን የርእየኩም።
How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ’ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ ትሕዝቶታት ብ60 ቋንቋታት ኣብ ቀንዲ ገጽ How Australia Works ርኸቡ።Tue, 29 Sep 2026 - 04min - 6559 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)Mon, 28 Sep 2026 - 47min
- 6558 - ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ።
ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ...
#sbsaudiopodcastMon, 28 Sep 2026 - 08min - 6557 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ።
#sbsaudiopodcastMon, 28 Sep 2026 - 11min - 6556 - ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . .
በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ.....
#sbsaudiopodcastMon, 28 Sep 2026 - 05min - 6555 - ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧Mon, 28 Sep 2026 - 09min
- 6554 - ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ)
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ።
#sbsaudiopodcastMon, 28 Sep 2026 - 09min - 6553 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)Thu, 24 Sep 2026 - 58min
- 6552 - ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ
ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastThu, 24 Sep 2026 - 15min - 6551 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ።
#sbsaudiopodcastThu, 24 Sep 2026 - 12min - 6550 - ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።
#sbsaudiopodcastThu, 24 Sep 2026 - 07min - 6549 - ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተኣቢያ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
#sbsaudiopodcastWed, 23 Sep 2026 - 09min - 6548 - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026)
*** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡
#sbsaudiopodcastWed, 23 Sep 2026 - 06min - 6547 - Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን።
Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it’s an effective way to take charge of our health. Let’s take a closer look at why a breast screen is nothing to be anxious about. - ስሩዕ መርመራ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ ብኣግኡ እቲ ሕማም ምህላዉ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፣ ቅድሚ ዝኾነ ምልክታት ወይ ምልክታት ምፍላጥካ። መርመራ ክገብራ ንዝምልከተት ደቂ ኣንስትዮ ወይ ንመንሽሮ ጡብ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ሰባት ብነጻ እዩ። ኣስታት 20 ደቓይቕ ዝወስድ ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ መርመራ ምግባር፡ ንጥዕና ንምሕላው ውጽኢታዊ መገዲ’ዩ። መርመራ ጡብ ክትጭነቐሉ ዘለካ ነገር ከምዘይኮነ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
Tue, 22 Sep 2026 - 10min - 6546 - ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከረም)
*** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ።
#sbsaudiopodcastTue, 22 Sep 2026 - 07min - 6545 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027)Mon, 21 Sep 2026 - 50min
- 6544 - ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ’ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ።
#sbsaudiopodcastMon, 21 Sep 2026 - 10min - 6543 - Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዘለዎምን ክትንከፉ'ዮም
The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger enforcement and a crackdown on visa hopping. - መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት ህዝቢ ካብን ናብን ኣውስትራልያ (Net overseas migration) ናብ 225,000 ክጎድል ዘውጽኦ መደብ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ካብ’ቶም ኣዝዮም ዓበይቲ ምቅይያራት ምስ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዝሓዙን በጻሕትን ዝተኣሳሰሩ ቪዛታት’ዮም። እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ ዝተረረ ትግባረ ሕጊን ኣብ’ቲ ቪዛ ሆፒንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ደጋጊሞም ካልእ ግዝያዊ ቪዛ ዘውጽእሉ) ድማ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣተንቢሁ’ሎ።
Mon, 21 Sep 2026 - 11min - 6542 - ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ውድባትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሕዝነት ከም ዝፈጠሩ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መደረ ኣስሚዑ ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ።
#sbsaudiopodcastMon, 21 Sep 2026 - 07min - 6541 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026)Thu, 17 Sep 2026 - 52min
- 6540 - “ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ’ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ"
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 39min - 6539 - ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። (ዜና 17 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ** ጽላት ንግዲ ኣብ መደብ ፖሊሲ ስደት ኣውስትራልያ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስግኣቱ ገሊጹ... ** ሓንቲ እንግሊዛዊት ቁሸት ብሰንኪ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትግንጸል ረፈረንደም ኣካዪዳ... ** ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። ** ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ንዓመተ ስፖርት 2027 F1 ኣብ መልበርን ኣይክኽፈትን ኢዩ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 10min - 6538 - "ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ።" ኤምባሲ ኣመሪካ (ጸብጻብ)
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካዶ ዘተ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ብካልእ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምቕጻል ደገፍ ከም ዝገብር ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 09min - 6537 - ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ናይዶል ንውዮን ነቲ "ናይ ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን" ዝበለቶ ስዒቡ ንዝቐርብ ዘሎ ዝለፋ መልሲ ሂባ።
ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ። እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ።
#sbsaudiopodcastThu, 17 Sep 2026 - 07min - 6536 - #119 Talking about hay fever (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS #119 Talking about hay fever (Med)
Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. - Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever.
Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.
- Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.Wed, 16 Sep 2026 - 10min - 6535 - ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 መስከረም 2026)
** ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ** መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋታት መጠኑ ከቢድ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣረጋጊጹ። ... ** ናይሮቢ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ከተማ ንሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ከተአንግድ ተመሪጻ።
#sbsaudiopodcastWed, 16 Sep 2026 - 06min - 6534 - What are Indigenous Protected Areas in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ሕዙኣት ቦታታት ደቀ'ባት ዝበሃሉ እንታይ'ዮም፧
National parks, nature reserves, marine sanctuaries and Indigenous Protected Areas protect different environments and operate under different rules. What makes an Indigenous Protected Area different, and how can you find out whether you are welcome to visit? - ሃገራዊ ፓርክታት፡ ዕቑር ተፈጥሮ፡ ሕዙእ ናይ ባሕር ክፋልን ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይሕዝኡን ብዝተፈላለዩ ሕግታት ይሰርሑን። ናይ ሓደ ሕዙእ ከባቢ ደቀባት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ክትበጽሑዎም ትኽእሉ ምዃኖምን ብኸመይን ክትፈልጥ ትኽእል?
Tue, 15 Sep 2026 - 10min - 6533 - ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋታት ነዳዲ ከንህር'ዩ፡ (ሕጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 15 መስከረም 2026)
** ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረብ ዝወስድ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ቀጻሊ ጽልዋ ክህልዎ ምኹኑ ተፈሊጡ።... ** ሰልፊ ዋን ኔሽን ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ን ኣውስትራሊያ ቢልዮናት ዶላራት ቁጠባዊ ክሳራ ከውርደላ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ** ኤ-ኣይ ኣዝዩ ሓያልን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋምን ቅድሚ ምዃኑ፡ ወዲ ሰብ መከላኸሊታት ንምትካል ውሱን ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ ።
#sbsaudiopodcastTue, 15 Sep 2026 - 05min - 6532 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026)Mon, 14 Sep 2026 - 53min
- 6531 - ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ትካላት ንግዲ ሶማልያ ኣማራጺ መስመራት መራኽብ ይደልዩ፡ (ዕለታዊ ዜና 14 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ። ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም። ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 13min - 6530 - 'ንብምሉኡ ኢንተርነት ክቆጻጸሮ ይኽእል’ዩ፣' ላዕለዎት መራሕቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ዓመት ክለዓል ይኽእል ዝብልዎ ስግኣት
ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 07min - 6529 - ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሰንዓፈ፡ (ጸብጻብ)
ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ። ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ ። ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ። ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
#sbsaudiopodcastMon, 14 Sep 2026 - 07min - 6528 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)Thu, 10 Sep 2026 - 54min
- 6527 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)
ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ። ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ። ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተዓዊቱ ፣
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 09min - 6526 - "ንእሱራት ክንጣበቕ ከለና ዓቢ ዕንቅፋት ዘጋጥመና ካብ ስድራ ቤት እሱራት'ዩ።" ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ እታ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ "መስትያት" ብእንግሊዝ ድማ "The Miror" ዝመስረተ እዩ። ናብ ስደት ምስ ኣምረሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ንማሕበረሰብ ዓለም እናጠርዐ ክጣበቕ ዝጸንሐ እዩ። ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መሕትት።
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 45min - 6525 - ሂዩማን ራይትስ ዎች: ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ። ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ።
#sbsaudiopodcastThu, 10 Sep 2026 - 10min - 6524 - ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት)
** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ... ** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ... ** ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ።
#sbsaudiopodcastWed, 09 Sep 2026 - 03min - 6523 - Travelling safely in rural and remote Australia - ዉሑስ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ቦታታትን ኣውስትራሊያ።
Australia is a vast and diverse country to explore, but driving in rural and remote areas can involve conditions you may not encounter in cities. Knowing what to expect and how to prepare can help you travel more safely and confidently. - ኣውስትራሊያ ዝሰፍሐን ብዙሕነት ዘለዎን ክትፍለጥ ዘለዋ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ኣብ ገጠርን ርሑቕ ከባቢታት ምዝዋር ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይተጓነፈካ ኩነታት ከጠቓልል ይኽእል ። እንታይ ከም እትጽበን ብኸመይ ከም እትዳሎን ምፍላጥ ፡ ብደሓን ብምትእምማን ንኽትጐዓዝ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ።
Wed, 09 Sep 2026 - 09min - 6522 - ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ A-F-D ኣብ ሓደ ግዝኣት ናይ ጀርመን ተመሪጹ።
ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቅዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ ምብራቓዊ ሃገረ ጀርመን እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ እኳ እንተ ተቐልቀለ ፡ ብገዛእ ርእሱ መንግስቲ ከቕውም ግና ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣከኣለን።
#sbsaudiopodcastTue, 08 Sep 2026 - 07min - 6521 - ኣብ ኦስትርያ ቆልዑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሒጃብ (መሸፈኒ ጸጒሪ) ከይለብሳ ተኸልኪሉ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (8 መስከረም 26)
*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉሪ (ሕጃብ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይለብሳ ምኽልካሉ ብሕጊ ከምዝምጉቱ ኦስትራውያን ጉጅለታት ምስልምና ኣጠንቂቖም ።... *** ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ጽድያ ጀሚርሉ ኣብዘሎ ፣ ምስ ምእታው ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ወቕቲ ተመን ዝጅምረሉ እዩ ።
Tue, 08 Sep 2026 - 05min - 6520 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)Mon, 07 Sep 2026 - 48min
- 6519 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓደ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብፋስ ኣጥቂዑ ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውሪድሎም ዝሃደመ ይድለ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝብል ሓሳብ ዳግም ብምግላጽ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ገና ዘይተወድአ ዕማም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ ። ኢጣልያዊ ኪሚ ኣንቶኔሊ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሞተር ፎርሙላ ዋን ናይ ኢታሊ ግራንድ ፕሪክስ ኣብ ሃገሩ ተዓዊቱ።
Mon, 07 Sep 2026 - 08min - 6518 - ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉMon, 07 Sep 2026 - 05min
- 6517 - መርገጺ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን። (ጸብጻብ)
መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ። ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።
Mon, 07 Sep 2026 - 07min - 6516 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 መስከረም 2026)Thu, 03 Sep 2026 - 50min
- 6515 - ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ መልበርን ዝጠፍአ ረዳኢ ብርሃነ- ኣበይ ኮን ይህሉ፧
6 ነሓሰ 2007 ኣኣ፡ ኣብ መልበርን ከባቢ ካርልተን ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ መንእሰይ ረዳኢ ሃይሉ ብርሃነ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 19 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ረዳኢ፡ ኣብ ዝርዝር ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ዝተሓተመ ዛንታ ናይ ዝተወሰኑ ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውያን ዘዘንቱ መፅሓፍ ‘ሎስት’ ታሪኹ ተገሊፁ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ሳህለ፡ ንሓፍቲ ረዳኢ ዝኾነት እሌኒ ሃይሉ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ክትከታተሉ ንዕድም።
Thu, 03 Sep 2026 - 14min - 6514 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ። ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።
Thu, 03 Sep 2026 - 10min - 6513 - "ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ እምሕጸን።"ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ። (ጸብጻብ)
ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ። ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን። ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።
Thu, 03 Sep 2026 - 08min - 6512 - Prostate cancer in Australia: Testing, treatment and support - መንሽሮ ፕሮስተይት (Prostate cancer) ኣብ ኣውስትራልያ: ምርመራ፣ ሕክምናን ደገፍን
About one in five Australian men will be diagnosed with prostate cancer in their lifetime. Understanding the prostate, your risk and the options for testing can help with early detection and treatment. In this episode of Australia Explained, learn about prostate cancer, PSA testing, treatment and support. - ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ መላእ ግዜ ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስተይት/ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም’ዩ። ኣብ ናይ ዕሸል/ፈለማ እዋናቱ፣ ፕሮስተይት ካንሰር ሳሕቲ’ዩ ምልክታት ዘርኢ። ነዚ’ዩ ድማ መጠን ዕድላት ዘጋጥመኩም፣ ምርመራ መዓስ’ዩ ግቡእ ዝኸውንን ብዛዕባ ኣማራጺታትኩም ምስ ዶክተርኩም ወይ ሓኪምኩም ምዝርራብን ክትፈልጥዎ ወይ ክትርድእዎ ዘድሊ። ኣብ’ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ’ምበኣር ብዛዕባ ኣለሊኻ ምፍላጥን ኣተኣላልያን ፕሮስተይት ካንሰር ክንመሃር ኢና።
Wed, 02 Sep 2026 - 11min - 6511 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (2 መስከረ 2026)
ንሎሚ ሰሉስ 2 መስመረም 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀቅድሚ`ቲ ቀታሊ ዝኾነ መደራግሕ በረድን ብርቱዕ ውሕጅን ኔፓልን ቲቤትን ዝነበሩ መጠንቀቕታታት ሸለል ምብሃሎም ሕቶታት ቀሪቦም፣ 5 ኣውስትራልያን ድማ ደሓን ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፡ * ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላይፕዚግ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንዝተፈጸመ ፈተነ መጥቃዕቲ ሩስያ ፈጺማቶ ትብል፣ * ዩናይትድ ስቴትስ ሕነ ምፍዳይ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን ፈጺማ፣
Wed, 02 Sep 2026 - 06min - 6510 - "ታሪኽ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ታሪኽ ናይ ኢሳያስ ኣፎርቂን ወልደኣብ ወልደምርያምን’ዩ"
ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩን ብዕለት 31 ኣብ መልበርን ዝዓረፈን ተጋዳላይ ማሕሙድ ጃብር ዮንስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
Tue, 01 Sep 2026 - 16min - 6509 - ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ይወጽእ፡ ህቡብ ሙዚቀኛ ሊዮነል ሪቺ ኣብ ሆስፒታል ይዕቆብ: ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ
**ስድራ ቤት ናይ ሓደ ወዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰብኣይ ፡ በቲ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ህይወቱ ዝሰኣነ ናይ መጀመርታ ኣውስትራልያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ። ... ** ሬሳ ናይ ሓደ ህጻን ኣብ መጉሓፊ በርሚል ምርካቡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን እዩ ክብል ፖሊስ NSW ገሊጹ ። ** ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ።
Tue, 01 Sep 2026 - 05min - 6508 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026)Mon, 31 Aug 2026 - 50min
- 6507 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብ መልበርን ኣብ እተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኽትኸይድ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዉርደት ገጢምዋ ። ሓይልታት ኣመሪካ ወንጨፍቲ ሮኬታት ሚሳይል ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ወቒዖም ፣ እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ። ኣብ ሲድኒ ኣብዝተገብረ ማራቶን ጉያ እግሪ ኢትዮጵያዊ አዲሱ ጎበና ብክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቒቕን 42 ካልኢትን [2: 04: 42] ብምእታው ክብረ ወሰን ሰይሩ ።
Mon, 31 Aug 2026 - 11min - 6506 - 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። (ጸብጻብ)
ተሓጋጋዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፤ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሞቓዲሾ ተሰናቢቱ። 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ። ኡጋንዳ ኣብ ፍልስጤም ከባቢ ጋዛ ንዝካየድ ኣህጉራዊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 1200 ሰራዊት ከተበርክት ምዃና ተሓቢሩ።
Mon, 31 Aug 2026 - 06min - 6505 - 130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንኣካይዳ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ
130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንስርዓተ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዊሕ ክእመነሎም ዝጸንሑ ትጽቢታት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ብሰላሕታ ደጊሞም ይጸሓፉ’ለዉ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።
Sun, 30 Aug 2026 - 10min - 6504 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ነሃሰ 2026)Thu, 27 Aug 2026 - 51min
- 6503 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን በቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መጻብቦ ሆርሙዝ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ፡ ምስ ዖማን ኣብ ግዝያዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ። ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርከብዎም 500 ሰባት ድማ ጠፊኦም ኣለዉ። ብሪጣንያዊ ማቲው ብርናን ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ቮሉታ ኣ ስጳኛ ንፈለማ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተዓዊቱ።
Thu, 27 Aug 2026 - 11min - 6502 - ህብብቲ ደራፊት 'ካንትሪ ሙዚክ' ዶሊ ፓርተንን ዝገደፈቶ ሓድግን፡
በሃር ድምጻዊት 'ካንትሪ ሙዚክ" ዶሊ ፓርትን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ ። ንሳ ብናይ ነዊሕ ዕድመ ከም ደራሲት ሙዚቃ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገባር ሰናይ: ብምምዕባል ቤተ-መጻሕፍቲ'ውን ተዘኪራ ትነብር እያ። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሞያ ፡ ካብ 55 ሕጸ ስልማት ፡ 10 ናይ ግራሚ ሽልማት ብምውሳድ ኣብ ታሪኽ ሳልሰይቲ ብብዝሒ ንስልማት ዝተሓጽየት ጓል-ኣንስተይቲ ክትከውን ኪኢላ ። ኣብ 80 ዓመት ዕድሚኣ ብሕማም መንሽሮ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምቅላስ'ያ ፡ ኣብ ናሽቪል ብሰላም ዓሪፋ ።
Thu, 27 Aug 2026 - 10min - 6501 - ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ (ጸብጻብ)
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ : ደገፍ ኣውስትራልያ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝጭበጥ ውጽኢት የምጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 25 ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ኣብ ትግራይ ድጋፈን ገሊፀን። ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ ኣላ። ኢትዮጵያዊት ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ትስዕብ ኣላ። እቲ ኣብ ቬትናም ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ውድድር ብድምጺ ህዝቢ ብመሪሕነት ኤርትራዊት፣ ኢትዮጵያዊትን ናይጄሪያትን ተወዳደርቲ ደሚቑ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ።
Thu, 27 Aug 2026 - 09min - 6500 - How can my child learn about Indigenous Australia? - ዉሉደይ ብዛዕባ ደቀባት ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ?
Supporting your child’s connection with the world’s oldest continuing living culture is one of the greatest gifts you can offer them while raising them in Australia. But if you’re new to the country, you may be unsure where to begin. Here are some starting points and ideas to help you and your child learn about Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, cultures and history. - ውሉድካ ኣብ ኣውስትራልያ ብ እተዕብየሉ ነቲ ኣብ ዓለም ጥንታውን ዝቕጽል ዘሎ ህያው ባህሊ ክፈልጡን ምትእስሳር ክፈጥሩ ምድጋፍ ፡ ሓደ ኸተበርክቶ እትኽእል ዝዓበየ ውህበት እዩ ። ኣብ ሃገር ሓድሽ እንተኾይንካ ግን ካበይ ከምዝጅምር ርግጸኛ ከይትኸውን ትኽእል ኢኻ ። ንርእስኹምን ንውላድኩምን ብዛዕባ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትርን ኣይላንደራትን ህዝብታት ፡ ባህልን ታሪኽን ንኽትፈልጡ ዝሕግዘኩም መበገሲ ሓሳባትን ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ ።
Wed, 26 Aug 2026 - 07min - 6499 - ዶሊ ፓርተን ዓሪፋ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ነሓሰ 2026)
** ህብብቲ ደራፊት ዶሊ ፓርተን ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ... ** ካናዳ ኣንጻር ኣመሪካ $20 ቢልዮን ዶላር ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብሪ ኣብ ሰደድ ኣመሪካ ኣዊጃ። ** ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ምትእስሳር ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።
Wed, 26 Aug 2026 - 06min - 6498 - ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)
** ዓባይ ብሪጣንያ ምስጢራዊ ናይ ሚሳይል ተክኖሎጂኣ ንዩክረይን ከተካፍላ ተሰማሚዓ... ** መጠን ጸዓት ኣብ ማእከላት መኸዘኒ ሓበሬታት ዝውዕል ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብሸውዓተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ተፈሊጡ። ** ኣብ ቪክቶርያ ፡ ሰበ-ስልጣን ካብቲ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ኤች5 ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ስጕምቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዘሎ እዋን ፡ 600 ንኣሽቱ ፔንጒን ኸቲቦም ።
Tue, 25 Aug 2026 - 03min - 6497 - “ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ
ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ምስ SBS ትግርኛ ኣብ ታሕሳስ 2015 ገበረ። ብዙሓት ድማ ዝኽሮም ተሃዲሱ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ስርሑ ክድህስሱ ተቐሲቦም። ሎሚ ድማ ሕልፈት ናይቲ ህዝቡብ ስነ ጥበባዊ የሱፍ ስዒድ ኣብዝስመዓሉ ዘሎ እዋን ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ስርሑን መን ምዃኑንን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።
Tue, 25 Aug 2026 - 55min - 6496 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026)Mon, 24 Aug 2026 - 47min
- 6495 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሕማም ጉንፋዕ ኣዕፋ- H-5N-1 ንፈለማ እዋን ኣብ መጥበውቲ ምር ኣዩ ሻቕሎት ፈጢሩ። ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርጻ ፕረዚደንት፣ ሰንደቕ ዓላማ ፣ ኣመራርጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከምኡውን ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ጉዳያት ብዘይምስምማዕ ተዛዚሙ ። ሰለስተ ተጻወትቲ ኣርጀንቲናን ሓደ ተጻዋታይ ስጳኛን ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዝፈጸምዎ ናይ ዲሲፕሊን ጉድለት ተቐጺዖም ።
Mon, 24 Aug 2026 - 11min - 6494 - በዓል ኣሸንዳ ፥ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይተኻየደ ተሪፉ ። (ጸብጻብ)
ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይካየድ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ዝተሰረዘ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዶባት ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ። ኣብ ኤርትራ መሃይምነት ንምጥፋእ፡ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ተሓንጺጹ ። ሃገራዊ ዋዕላ ሕርሻዊ መጽናዕትታት ኤርትራ 2026፡ ተዛዚሙ። ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጡ።
Mon, 24 Aug 2026 - 07min - 6493 - Prepare now: authorities flag significant spring bushfire risk - ሕጂ ተዳለዉ! ሰብመዚ ልዑል ሓደጋታት ሓዊ ዝመጽእ ወቕቲ ከምዝህልዉ የጠንቅቑ
Australians are being urged to prepare for a potentially challenging spring, with an elevated bushfire risk forecast across several parts of the country. Authorities say conditions vary significantly from region to region, with dry weather, warmer temperatures and increased fuel loads contributing to the risk. - ኣውስትራልያውያን ትንበያ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ባርዕ ጣሻ ኣብ ብዙሕ ክፋላት’ዛ ሃገር ኣብ ዝሃለወሉ ንተኽእሎ ክስተት ሓደ በዳሂ ዝኾነ ጽድያ ክዳለዉ መተሓሳሰቢ ቀሪብሎም። ሰብመዚ ኩነታት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ኣዝዮም ዝፈላለዩ ምዃኖምን ደረቕ ኩነታት ኣየር፣ ዝወዓዩ ሙቐታትን ዝያዳ ጽዕነታት ዝቃጸሉ ነገራትን ናብ’ቲ ሓደጋ ኣበርክቶ ይገብሩ ይብሉ።
Mon, 24 Aug 2026 - 06min - 6492 - ተዘክሮ ኣሸንዳ፡ ‘ናይ ወለድና ቀምሽ ተኸዲንና ንፃወት ኔርና’ ወ/ሮ ኣበባ ሓጎስ
ኣብ ኣወስትራልያ ን 32 ዓመታት ዝተቐመጠት ነባሪት መልበርን ወ/ሮ ኣበባ፡ ካብተን ባህሊ ኣሸንዳ ከይርሳዕ ዓመት መፀ ከይተሓለላ ዝጉስጉሳን ዘምህራን ሓንቲ እያ። ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብታ ዝተወለደትላ ከተማ መቐለን ኣብዚ ኣብ ኣወስትራልን ዝምልከት ተክሮታታ ክተካፍለነና ምስ ሃይሉ ሳህለ ፃንሒት ጌራ ኣላ። ርሑስ በዓል ኣሸንዳ
Sun, 23 Aug 2026 - 13min - 6491 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026)Thu, 20 Aug 2026 - 51min
- 6490 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዞሚ ፍራንኮም ን ን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝቐተለ ስርሒት ዝምልከት ክግበር ዝጸንሐ መርመራ ገበን ንምዕጻው ምውሳኑ ፡ኣውስትራሊያ ምቚጣዓ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣውስትራሊያ ተዛሪባ። ሚንስተር ታንያ ፕሊበርስክ ካብ 20 መስከረም ኣትሒዙ ልዕሊ 5.3 ሚሊዮን ኣውስትራሊያዊያን ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ዝኽፈል ክፍሊት ክብ ከምዝብል ኣፍሊጣ ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋቲ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ናይ ሓሽሽ ኮኬን ከምዝወሰደ ተመርሚሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ይቕረታ ሓቲቱ ።
Thu, 20 Aug 2026 - 09min - 6489 - " መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ'ሎ።" ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ።
ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ። ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።
Thu, 20 Aug 2026 - 08min - 6488 - ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓገዝ ክስእኑ ከግብር ዝኽእል፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ NDIS ጸዲቑ ።
ብዛዕባ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ክትዕ ክግበረሉ ድሕሪ ምቕናይ ብደገፍ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ኣሎ ። እቲ ሕጊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ባጀት ግንቦት ዝቐረበ ምጉዳል ወጻኢታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ክቑጠብ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት 37.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ። ግሪንስ: ገለ ኣባላት ፓርላማ ናይ ጎኒ መናብር: ከምኡውን ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላን ነቲ መስርሕ ብታህዋኽ ከም እተኻየደን ጕድኣት ከምጽእ ምዃኑን ይዛረቡ ። እተፈላለዩ ተጣበቕቲ እውን ፡ ኣብ መንግስታት ግዝኣታት ዝምሕደር ኣማራጺታት ኣብ ግዜኡ ድሉው እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ ፣ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ምጉዳል ባጀት ድማ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ይምጉቱ ።
Thu, 20 Aug 2026 - 12min - 6487 - #117 Borrowing books at the library (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS #117 Borrowing books at the library (Med)
Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the library catalogue. - Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the library catalogue. ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ንምኻድ ዝጠቕሙ ናይ እንግሊዝኛ ዝርርብ ተምሃር ። ንእተለቃሕካዮ መጻሕፍቲ ንምምላስ ፡ ብዛዕባ ናይ መቕጻዕቲ ክፍሊት ፡ ዝተለቃሕካዮም ምሕዳስ ፡ ዘድልየካ ኣቐዲምካ ምሓዝ ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ትሕዝቶ ቤተ መጻሕፍቲ ተጠቒምካ መዓልታዊ ሓረጋት ምልምማድ ።
Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here. - Keep practising the phrases from this episode and test what you’ve learned with our quiz here.Wed, 19 Aug 2026 - 14min - 6486 - ኣብ ትግራይ ከባቢ መቐለ መጥቓዕቲ ድሮን ተፈጺሙ። (ጸብጻብ)
**ግብጺ ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኒል ዝምልከት ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ፡ ** ወጻኢታት ኣብ ስንክልና ንምንካይ ተባሂሉ ዝወጸ ኣካራኻሪ ሕጊ እተገብረ ምምሕያሽ ፡ ብላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ። ** ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ዘቕረቦ ሕቶ ብምግዳድ ነቲ ስትራተጂያዊ ክሊ ማይ ሓድሽ ናይ ኣመሪካ ግዝኣት ከምዝኾነ ዘርእይ ካርታ ዘርጊሑ።
Wed, 19 Aug 2026 - 06min - 6485 - Birth and pregnancy care options in Australia - ኣማራጺታት ክንክን ሕርስን ጥንስን ኣብ ኣውስትራሊያ፡
If you're first-time parents in Australia, choosing where and how to give birth can feel overwhelming. Whether you go through the public or private health system, it is important to understand your options and know where to reach out for advice to make the right decision for you and your baby. - ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንመጀመርታ ግዘ ወለዲ እንተኾይንኩም ፤ ኣበይን ብኸመይን ከምትወልድ ምምራጽ ብዙሕ ከቢድ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ። ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ናይ ጥዕና ትካላት ክንክን ዝግበረልኪ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ፡ ዘለኪ ኣማራጺታት ክትርድእን ንዓኺን ንውላድክን ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብሪ ካበይ ምኽሪ ክትረክቢ ከም እትኽእሊ ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ ።
Tue, 18 Aug 2026 - 09min - 6484 - ናብ ትግራይ ካብ ዝኣቱ፡ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ብዝሒ ሰብ እናወሰኸ ይኸይድ። (ጸብጻብ)
** ዘተ ሰላም ኣብ ኣዕጹው ማዕጾ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋኣን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምትፍኑ ኣፈራሪሓ። ** ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽንያት ወጥርን ስግኣት ውግእን ፣ ናብ ትግራይ ካብ ዝኸዱ ሰባት ንላዕሊ፣ ካብ ትግራይ ናብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰባት ከም ዝበዝሑ ተፈሊጡ። ** ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣውሮጳ፣ ንጀርመን ዝወዳደር ትውልደ ኤርትራዊ ኣማናል ጴጥሮስ ወርቂ ሜዳልያ ተዓዊቱ።
Tue, 18 Aug 2026 - 06min - 6483 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 2026)Mon, 17 Aug 2026 - 53min
- 6482 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 20260
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ መጀመርታ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ኣኑቲን ቻርነቪራኩል ክቕበሎ እዩ ። ሓለቓ ሰራዊት ኢራን ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝቐተለ ወይ ዝሓዘ ፡ ናይ 30,000 ዶላር ኣመሪካ [42,500 ዶላር] መቑሽሽ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ። እቲ ናይ ኣተኒስ U ዝቕርጹ ስታድዩም ፓናትንኣይክ ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ንፈለማ እዋን ብስርዓታዊ ኣገባብ ክጸሪ ጀሚሩ ።
Mon, 17 Aug 2026 - 10min - 6481 - መንግስታት ፌደራን ክልል ትግራይን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። (ጸብጻብ)
ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ። ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ። ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።
Mon, 17 Aug 2026 - 08min - 6480 - ጉዳይ ኒኮላስ ማዱሮ - ዓለም ዘሰንበደ ህሞት፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፍተነሉ ኮይኑ'ሎ
ዓለም ዘሰንበደ ህሞት ኔሩ፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይፍትን ኣሎ። ምትሓዝ ኒኮላስ ማዱሮ ዘይተለምደ መንገዲ ሒዙ’ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝበጽሐ። ሕጂ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ።
Mon, 17 Aug 2026 - 18min - 6479 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026)Thu, 13 Aug 2026 - 50min
- 6478 - "ካብ ዓደይ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ'ዩ ኮይኑ፡ ንትግራይ ግና ብዝኾነት ሃገር ክልውጣ ኣይክእል እየ፣" ን 40 ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ።
ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ።
Thu, 13 Aug 2026 - 35min - 6477 - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ጽሩይ /ነት ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ 180,000 ክዉሕድ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ርእይቶ ካብ ብጾቱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣይረኸበን ። ካብ ባሊ ናብ ሎሞቦክ ኣብ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምንዳዳ ክልተ ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 211 ሰባት ድሒኖም ። ሊዮነል መሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦኡ ድሕሪ ምማቱ፡ ምጽዋት ኲዕሶ እግሪ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝጠራጠር ገሊጹ።
Thu, 13 Aug 2026 - 09min - 6476 - ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ)
ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ። ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ዩ ክብል ከሲሱ። ኣብቲ ዞባ ቀጻሊ ዞባዊ ወጥሪን ግጭትን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ሱዳን ምስ #ሞቃድሾን #ካይሮን ዝርርብ ኣካይዳ።
Thu, 13 Aug 2026 - 10min
Podcasts similares a SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
El Partidazo de COPE COPE
Herrera en COPE COPE
Dante Gebel Live Dante Gebel
Es la Mañana de Federico esRadio
La noche de Cuesta esRadio
La Trinchera de Llamas esRadio
Hondelatte Raconte Europe 1
Affaires sensibles France Inter
LEGEND Guillaume Pley
El colegio invisible OndaCero
La Rosa de los Vientos OndaCero
Les grands dossiers de l'Histoire par Franck Ferrand Radio Classique
Espacio en blanco Radio Nacional
Enquêtes criminelles RTL
Entrez dans l'Histoire RTL
Le grand récit RTL
Les Grosses Têtes RTL
L'Heure Du Crime RTL
Parlons-nous RTL
El Larguero SER Podcast
Nadie Sabe Nada SER Podcast
SER Historia SER Podcast
Todo Concostrina SER Podcast
Un Libro Una Hora SER Podcast
Otros podcasts de Sociedad y Cultura
Conversations ABC Australia
Casefile True Crime Casefile Presents
The Diary Of A CEO with Steven Bartlett DOAC
Forensic Files HLN
Unravel ABC Australia
Ukraine: The Latest The Telegraph
Forbidden History Like A Shot Entertainment
Unexplained iHeartPodcasts
Stuff You Should Know iHeartPodcasts
Barangay Love Stories Barangay LS 97.1 Manila | GMA Network Inc.
Late Night Live — Full program podcast ABC Australia
Australia All Over ABC Australia
The Megyn Kelly Show SiriusXM
Life Uncut LiSTNR
Mamamia Out Loud Mamamia Podcasts
The Michael Berry Show KTRH (KTRH-AM)
Papa Dudut Stories Papa Dudut | TAGM Marketing Solutions Inc.
2 Worlds Collide Podcast Sam Bamford
Legends of the Old West Black Barrel Media
James O'Brien's Mystery Hour Global
SBS Arabic24 Podcasts
SBS Vietnamese - SBS Việt ngữ SBS
SBS Cantonese - SBS廣東話節目 SBS
SBS Japanese - SBSの日本語放送 SBS
SBS Tamil - SBS தமிழ் SBS
SBS Lao - SBS ພາສາລາວ SBS
SBS Mandarin - SBS 普通话电台 SBS
SBS Nepali - एसबीएस नेपाली पोडकास्ट SBS
SBS Hindi SBS
SBS Bulgarian - SBS на Български SBS
SBS Bangla - এসবিএস বাংলা SBS
SBS Malayalam - എസ് ബി എസ് മലയാളം പോഡ്കാസ്റ്റ് SBS
